ጽሑፋት ናይ ምቕባል መስመርና
ቀንዲ ዕላማና ኣብ ሃገር ነዚ ዓማጺ ስርዓት ኣብ ምልጋስ ንዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብዓቅምና እጃምና ንምብርካት እዩ:: ብተወሳኺ ከንየው ዑና እዚ ፐሊሳዊ መንግስቲ ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ትካላትን ንምምስራት ዝሃቀነ ኣብ ዝግበር ተጋድሎ ድሩት ኣኽእሎና ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ጸዓታት ንምጽንባር ዝከኣለና ክንገብር ኢና:: መርበብና ኣብዚ ጽንኩር ሃገርና እትሓልፎ ዘላ መዋእል: ምስተን ነዚ ስርዓት ኣብ ምቅላዕ ውፉይን ዘይሕለል ጻዕሪን ዘካይዳ ዘለዋ: ብኤርትራዊያን ይኹን ወጻእተኛታት ምስጉናት ዝኾና መርበባት ተወሳኺት ናውቲ ኮይና ክትዋሳእ እያ:: ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝዝረጋሕ ዝነበረ ጽሑፋት ነዚ ኣብ ስልጣን ሸኪሉ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ዝፍጽሞ ዘሎ ጽቕጠትን ግህሰትን ኣብ ምቅላዕን ምብራህን ልሉይ ግደ ከም ዘመዝገባ ርኡይ’ዩ::
ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ መስዋእትን ስቓይን ከፊሉ ዘማዕድዎ ዘሎ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ነባሪ ዝኾነሉ እንኮ መንገዲ ንኩሉ ዝሓቁፍን ሕጊ ልዕሊ ኩሉ ምኻኑ ብዘተኣማምን ህያው ምስ ዝኸውን ጥራይ’ዩ:: እዚ ንምትግባር መሰል: መበቀል: እምነትን ባህልን ናይ ነፍሰ-ወከፍ ኤርትራ ቤተይ’ያ ዝብል ሕብረተሰብእዊ ጉጅለ ይኹን ውለቀ-ሰብ ውሕስነቱ ኣታኣማማኒ ኮይኑ ብሓባራዊ ዕግበት ዝተጻሐሕፈን ዝጸደቐን ሕገ-መንግስቲ መሰረታዊ ሕጊ ሃገር ኮይኑ ምስ ዝሰፍር: ፍረ-ነገሩ ይኹን መንፈሱ ብሀገር ደረጃ ተዘትይሉ ብኩሎም ዋናታትን ወከልቶምን እዛ ሃገር እዚኣ ምስ ዝጸድቕ ጥራይ እዩ:: ኣብ ከምዚ ዝተተኽለ ተሪር እምነት ንህዝቢ ብውሽጢ ይኹን ምስ ከባቢን ዕርቂ ከምተሰረተ ብዘየማትእ ይበርሃሉ:: እዚ ከኣ ንቅሳነትን ብሓባር ንምንባርን ባይታ የንጽፍ:: ነገራውን መንፈሳውን ትሕዝቶኣ ብነጻ ድልየት ዝሓበረ ዝተፈላለየ ሕብረተ-ሰባት ተዋሃሂዱ ንኽምዕብል ኣንፈት ኣብ ልዕሊ ምኽፋቱ: እዚ ንዘይምትእምማን ዘስዓበ መርገም ዘይኮነስ ብኣንጻሩ ሽሻይ ዝኾነ ዝተፈላለየ ሕብረተ-ሰብኣዊ እምነታዊን ባህላውን ክውንነት ሀገርና ንፖለቲካዊ ብዙሕነት የደንፍዖ::
ብነጻ ድልየት ህዝቢ ኤርትራ ዝተወሰነ ሰላምን ቅሳነትን: ንተቐማጦ ሃገር ክእለቶም ብኣድማዕነት ንኸተግብርዎ ዕድል ኣብ ልዕሊ ምኽፋቱ: ዓቕሚ ሃገር ብዝተጸንዐን ሕጊ ብዝለበሰ ሃገራዊ መደብ ዕዮ ተሰንዩ ንኽግልገልሉ ኣፍደገ ይኸፍት:: ኣብ መላእ ሃገር ዝተመጣጠነ ምዕባለን: ፍርያቱ ድማ ንጥቅሚ መላእ ህዝቢ ዝውዕለሉ ክውንነት ይፍጠር:: ተቐማጦ ሃገር ብምሉእ ነጻነት ኣብ መነባብረኦም ዓይነታዊ ለውጢ ንምምጻእ ድሪኺቶም ይድንፍዕ: እኩብ ድምር ውጽኢቱ ከኣ መላእ ሃገር ዝሓቐፈ ማጣነ-ሃብታዊ መደብ ዕዮን ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን መሪሕነትን ንዝተመጣጠነ ምዕባለ ሱር ኣብ ምትካል ኣገዳሲ ግደ ይህልዎ:: ከም ውጽኢቱ ድማ: ተግባራዊ ዲሞክራሲን ማሕበራዊ ፍትሒን ክስርት ኣፍደገ ስለ ዝኸፈት ናይ ሓደ ነጻ ሕብረተ-ሰብ ባህግታትን ትጽቢታትን ንኽማላእ መሰረት ይተክል::
ማእከላይ ዓንዲ ናይ ሓደ ነጻ ሕብረተ-ሰብ ሓራ ውልቀ-ሰብ እዩ:: መሰልን ክብርን ናይ ውልቀ-ሰብ ምሕላው ልዑል ይኸውን:: ነዚ መሰረታዊ መሰል ውልቀ-ሰብ ይኹን ሕብረተ-ሰብ ውሕስነቱ ዘየረጋግጽን ዘይሕልውን ስርዓት ዕላውነቱን ውድዕነቱን ውዱቕ ይኸውን:: እቲ ከርሲ ሽግር ናይ ህልዊ ምልካዊ ስርዓት እዚ እዩ::
ዲሞክራሲ መሰላት ጥራይ እይኮነን ዝሓቁፍ:: መሰላትን ግቡኣተን ብማዕረ ዘየጠቓልል ዲሞክራሲ የሎን:: መሰላት ክሕለው እንተኾይኑ ብመሰረት ሃገራዊ ሕጊ ዝጸደቐ ናይ ካልኦት መሰል ምኽባር ግዴታ ይኸውን:: ካብዚ እምንቶ ብምብጋስ ኣበርከቲ ጽሑፋት ናይ ካልኦት ርእይቶ ምኽባር አገዳስነቱ ነዘኻኽር:: ሃናጺ ነቐፌታ ዕላውነቱ ዝምስከር ናይ ካልኦት መሰልን ሰብኣዊ ክብርን ምስዘይግህስ ጥራይ’ዩ:: መርበብ ቶጎሩባ ንናይ ካልኦት መሰል ንምግሃስ እተገልግል ናዉቲ ክትኸውን ኣይንመርጽን:: ካብዚ ነጥቢ ስግር: እቕረብቲ ጽሑፋት ነዘን ዝስዕባ ነጥብታት ንኸማልኡ ንላቦ::
1. ናይ ጸሓፊይ
· ምሉእ ስም
· ምሉእ ኣድራሻ
· ቁጽሪ ስለኪ
· ኢ-መይል
2. ናይ ብርዒ ስም ብዝምልከት
· ሓደ ውልቀ ሰብ ናይ ብርዒ ስም ናይ ምጥቓም መሰል ሕልው እዩ፣
· ቁጽሪ ሓደ ሰፊሩ ዘሎ ነጠቢ ከማልእ ይግባእ::
· ነፍስወከፍ ሰብ ካብ ሓደ ንልዕሊ ናይ ብርዒ ስም ክጥቀም የብሉን::
3. ቀዳምነት እንህቦም ጽሑፍት
· እስተምሁሮኣውን ሃነጽትን ጽሑፋት::
· ኣገደስቲ ዜናን ሓበሬታን::
· ካብ ውድባትን ማሕበራትን ዝተላእኩ ጽሑፋት::
4. ዘይነስተናግዶም ጽሑፋት
· ሰብኣዊ መሰል ናይ ውልቀ-ሰብ ዘየኽብሩ
· ናይ መን ብዘየገድስ: መሰል: መበቆል: እምነትን ባህልን ናይ ካልኦት ዘቋሽሹ ጽሑፋት::
· ናይ መን ብዘየገድስ: ኣብ መንጎ እምነታትን ሕብረተሰብኣዊ ጉጅለታትን ቅርሕነትን ነገርን ንምልዕዓል ዝዓለመ ጽሑፋት::
መርበብ ቶጎሩባ ናይ ጸሓፍቲ መረዳእታታት (data) ወይ ሓበሬታ ብዘይ ፍቓድ
ዋናታቱ ንካልእ ሸነኽ ኣሕሊፉ ኣይህብን::
ቶጎሩባ.ኦርግ